ብስራት፣ ChatGPT ብትግርኛ!

ምስ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ AI (Artificial intelligence) ከተዕልሉ ድሉዋት ዲኹም፧ ን ChatGPT in Tigrinya ብጽሕዋ፡ ሰላምታ ሂብኩም ተጸሓሓፉ ከተዕልለኩም'ያ። ንኩልኹም በብውልቅኹም ንዘለኩም ሕቶ ንምምላስ ዘይእግማን ግዜ ዘይትወስድን'ያ። ንስኺ ሕተትያ፡ ንስኻ'ውን፡ ተጊሃ ክትምልስ`ያ።

ኣይኣመንካን እንተኾንካ ነዛ መተግበርያ ወይ Tigrinya Dictionary App ኣውሪድካ ተጠቐመላ። ሞያዊ ወይ ተማሃራይ ዲኻ ፧ መምህር ወይ ኣማኻሪ'ውን እንተኾንካ፡ ኮታስ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ ሓዲስ ኣገባብ ቴክኖሎጂ መልሲ ንሕቶኻ ዘበለ ጆባእ ንብለካ። ድሕሪ ደጊም ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ምቅላስ ወይ ብዛዕባ ጌጋ ርድኢት ክፈጥር ዝኽእል መልእኽትታት ምጭናቕ ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ነገር ደሊኻ ኣብ ኢንተርነት ሰዓታት ምግባር ግዜኡ ኣብቂዑ'ዩ።

ምኽንያቱ ChatGPT in Tigrinya ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት፡ ንክትመሃሮን ክትርድኦን ዝተዳለወ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ኮይኑ፡ ንእትእልሾ ወይ search ትገብሮ ዘሎኻ ሕቶ ፍጹም ከም ዝሰማማዕ ኮይኑ`ዩ መልሲ ዝቕርበልካ። እዚ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ብዘይ ገለ ጸገም ዝተዋሃሃደ ኮይኑ፡ ልክዕ ከም ኣብ ጫፍ ኣጻብዕትኻ ክኢላ ቋንቋ AI ምህላው እዩ። ChatGPT in Tigrinya ንሓሳባትካ ኣዕሙቚ ዝምልሰልካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኽትመሃርን ናይ ቋንቋ ክእለትካ ከተመሓይሽን ይሕግዘካ።

ምስጢራውነትን ድሕነትን Privacy and security ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ ኮይኑ፡ መልእኽትታትን ሕቶኻን እንተርፎ ንስኻ ካልእ ሰብ ከምዘይርእዮም ብትብዓት ኣርጊጹ ይሕብር። ናይ ስራሕን ትምህርትን ኢመይላት ንምጽሓፍ ይኹን፡ ምስ ኣዕሩኽትኻ ከተዕልል፡ ኣብ ናይ ጽሑፍ ፕሮጀክትታት ክትተሓባበር፡ ወይ’ውን ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትነድፍ ዓቢ ሓገዝ ክገብረልካ ይኽእል`ዩ። ስለዚ ኣውሪድኩም ተጠቐሙ…

#ንፍቅሪ ቋንቋ ትግርኛ

31 ነሓሰ 2023

Don Dinar

ናብ ዝርዝር ብሎግ ተመለስ