ቋንቋና ብኸመይ ክነማዕብል ንኽእል

ቋንቋና ክምዕብል ዝኽእል ብትግሃት ደረስቲ፡ ተመራመርቲ ከሙኡ'ውን ኣንበብትን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ትግርኛ እውን ከም ኩሎም ምዕቡላት ቋንቋታት ሃብታምን ምሉእ መሳርሒ ኾይኑ ከገልግል ዝኽእል ብዙሕ ተጠቃሚ ምስ ዝህልዎ፡ ባህልታትካ፡ ክብርታትካ፡ እተመሓላልፈሉን እትጥቐመሉን ናይ መዓልታዊ መነባብሮካ እተሰላስለሉ ስሉጥ መሳርሒ ኢዩ።

እዚ ውን መቀጸልታ እቲ ወፍሪ ዕማም ቋንቋ ትግርኛ'ዩ። ትግርኛ ናብ ጎግል ክኣቱ ብዙሑ ተጻዒሩ'ዩ። እቲ ናይ መጀመርታ Step ድማ ተበጹሑ'ዩ። እቲ ከም ካልኣይ Step ክረእ ዘለዎ ወይ'ውን ክንገብሮ ዘለና ግን እቲ ምትርጓም ካብዚ ዘለዎ ዓቅሚ ዚያዳ ክብርኽ ምግባር'ዩ ።

በዚ ዲጂታላዊ ዓለም Google Translate ምዕባለ ቋንቋታት ምስ ድጂታል ዝተታሓሓዘ እናኾነ መጺዩ ኣሎ። ሳለ ህዝባዊ ተስትፎ ድማ ቋንቋና ከም ዓለሙ ምስ ዓለሙ ተጸንቢሩ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ እቶም ብተገዳስነት ንስለ ምዕባለ ቋንቋና ካብ ግዜኩም ጨሊፍኩም ክትከፍሉ ዝጸናሑኩም ነመስግን ። ተስትፎኹም ቀጻሊ ክከውን ድማ ነዛኻኽር ።

NB ~ ኣብ ዊኪፐዲያ ብቋንቋና ዝተጽሕፈ ኣዚዩ ውሑድ'ዩ ዘሎ እሞ። ኣብ ወርሒ ሓሓንቲ ኣርቲክል በቲ ንግደሰሉ ሞያ ንፈልጦን ክንጽሕፍ ንጀምር። Google Translate Contribute Tigryna Dicnary App እንተ ደሊኹም ድማ ኣብዚ ኣለኩም

#ንፍቅሪ ቋንቋ ትግርኛ

30 ግንቦት 2022

Filimon

ናብ ዝርዝር ብሎግ ተመለስ